ምዕራፍ 1
መፅሓፍ ትውልዲ ኢየሱስ ክርስቶስ (ሉቃ. 3፡23-38)
1
ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፥ ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መፅሓፍ ትውልዲ፦
2
ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ወለደ፥ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፥
3
ይሁዳ ኸዓ፥ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥
4
ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፥ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፥ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፥
5
ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ፥ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥
6
እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ። ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ፥
7
ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፥ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፥ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ፥
8
ኣሳፍ ንኢዮሳፍጥ ወለደ፥ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም ወለደ፥ ኢዮራም ንዖዝያን ወለደ፥
9
ዖዝያን ንኢዮኣታም ወለደ፥ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ፥
10
ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፥ ምናሴ ንኣሞፅ ወለደ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ፥
11
ኢዮስያስ ከዓ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነሕዋቱን ወለደ።
12
ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ፥
ኢኮንያን ንሰላትያል ወለደ፥ ሰላትያል ንዘሩባቤል ወለደ፥
13
ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፥ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ፥ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፥
14
ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፥ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፥ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፥
15
ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፥ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፥ ማታን ንያእቆብ ወለደ፥
16
ያእቆብ ድማ ክርስቶስ(ሀ) ንዝተብሃለ ኢየሱስ ንዝወለደት ንሕፁይ ማርያም ንዮሴፍ ወለደ።
17
እምበኣር ኵሉ ትውልዲ፥ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ፥ ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ እዩ።(ለ)
ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ (ሉቃ. 2፡1-7)
18
ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ እዩ፦ እኖኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓፅያ እንተላ፥ እንተይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኸበት።
19
ሕፁያ ዮሴፍ ግና ፃድቕ ስለ ዝነበረ፥ ብሕቡእ ክሓድጋ ደኣ ሓሰበ እምበር ክገልፃ ኣይደለየን።
20
እዙይ እናሓሰበ እንተሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተርኣዮ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥(ሐ) እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንሕፅይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራሕ።
21
ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
22-23
እዝ ዅሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ
“እንሆ ድንግል ክትጠንስ፥ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ኸዓ «‘ኣማኑኤል’» ክበሃል እዩ፤ ትርጕሙ ድማ ‘እግዚኣብሄር ምሳና’ ማለት እዩ”
ኢሉ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
24
ዮሴፍ ድማ ኻብ ድቃሱ ተሲኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕፅይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ፤
25
በዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድውን ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ።
ሀ. 1፡16፤ ክርስቶስ፦ “መሲሕ” ማለት እዩ።
ለ. 1፡17፤ ኣብ ግእዝ “ኵሉ ትውልዲ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ክርስቶስ ኣርብዓን ክልተን እዩ” ዝብል ይርከብ።
ሐ. 1፡20፤ ወዲ ዳዊት፦ “ዘርኢ ዳዊት” ማለት እዩ።
Amharic፡ ©Bible Society of Ethiopia, text from Bible.org. Geez: አኃው ማኅበር ሓዋርያት ፍሬ ሃይማኖት። Tigrigna: GeezExperiences and volunteers. Tigrigna SV: ©BSE, see version intro. WongelAdvocate is a product of the Tigrai Project's Living Word Gospel Ministry (ሕያው ቃል ወንጌል አገልግሎት).
©Copyright 2012-2024, WongelAdvocate.com. All rights reserved.